ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ስርሓ ደው ከተብል’ያ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኣስመራ ንእትርከብ ቤት ትምህርቲ  ኢጣልያ ሓድሽ ናይ ስራሕ ውዕላ ከይተሐድስ ከልኪሉ።
እታ ናይ ነዊሕ ዓመታት ታሪኽ ዘለዋ ኣብ ኣስመራ እትደኮነት እንኮ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ኣብዚ ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ኣብ መስከረም ኣብ ዝጅምረሉ ስርሓ ንኸይትጅምር ተኸልኪላትሉ ዘላ ምኽንያት፣ ኣካየድታ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መብርሂ ክወሃቦም ይሓቱ እኳ እንተለዉ፣ ንጹር መልሲ ዝህቦም ኣካል ግና ክርከብ ኣይተኻእለን።
እታ ካብ ኢጣልያ መማህራን እናምጽአት ስሩዕ ኣካዳምያውን ሞያውን ትምህርቲ ክትህብ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ መማህራና ናብ ኤርትራ ዘእትዎም ቪዛ ከይወሃቡ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ከልኪልዎም ኣሎ።
ሰበ ስልጣን ኢጣልያ’ውን ብወገኖም፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ንመንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ከቕርቡ ጀሚሮም እኳ እንተለዉ፣ ካብ ወገን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ይኹን ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ዝኾነ ምላሽ ኣይተዋህቦምን።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቐዲሙ፣ ናይ ብሕቲ ትካላት ትምህርቲ ቁጽጽር ክግበረለን ዝብል ካብ መማህራንን ወሃብቲ ርእይቶን ንዝቀረበሉ ሓሳባት ኣምሲሉ፣ ደጋጊሙ ክወቕሰን ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ ኣስማራ ከም ሓጎስ ኢንተርናሽናል ስኩል ዝኣመሰላ ብወጻእተኛታት ዝመሓደራን ደቂ ሰበ ስልጣንን ሃብታማን ዝመሃሩለን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ እኳ እንተለዋ፣ ዕላማ ምኽልካል ፍቃድ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ርዱእ ከምዘይኮነ’ዮም ዝተወከስናዮም  ወገናት ዝጠቕሱ።
ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቆልቆለ ባይታ ዘቢጡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ሰበ ስልጣንን መንግስትን ሃብታማትን ደቖም ኣብ ከም በዓል ፊንላንድ ሚስዮን፣ ቤት ትምህርቲ ዓወት፣ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ሓጎስ ኢንተርናሽናል ስኩልን ዝኣመሰላ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ’ዮም ዘምህርዎም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0