ባይቶ ፈረንሳ፣ ጽኑዕ ሕጊ ስደተኛታት ኣጽዲቑ

ባይቶ ፈረንሳ፣ ጽኑዕ ሕጊ ስደተኛታት ኣጽዲቑ

Radio Erena: 24 April 2018

france refugees

ባይቶ ፈረንሳ፣ ንሓያሎ ሰሙናት ከካትዕ ዝጸንሐ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ኣጽዲቑ።

እቲ ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝገትአን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ከኣ በስገዳድ ንምጥራዝን ዘኽእል ሓድሽ ሕጊ፣ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ናይ 228 ኣባላት ባይቶ ናይ ደገፍ ድምጺ ብምርካብ’ዩ ጸዲቑ ዘሎ።

ኣብቲ 60 ሰዓታት ዝወሰደ ዘተን ክትዕን ኣባላት ባይቶ 139 ክቃወምዎ እንከለዉ 24 ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።

ብመሰረት ‘ቲ ጸዲቑ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘቕረቡ ስደተኛታት፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ መልሲ ክወሃቦም፣ እቶም ዝተነጽጉ ድማ ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ዝብል ነጥቢ ይርከቦ።

ብዘይካ’ዚ፣ ካብ ፈረንሳ ክወጹ ዝተነግሮም ‘ሞ ካብ ዝተፈቕደሎም ግዜ ንላዕሊ ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ስደተኛታት ብፖሊስ ተታሒዚም፣ ክሳብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ግዝያዊ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑን ብድሕሪኡ’ውን ብግዴታ ናብ ዓዶም ክጥረዙን ዝፈቅድ’ዩ።

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተሓቲቶም፣ መንግስቲ ፈረንሳ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምግባር ነናብ ዓዶም ከፋንዎም ከምዝኽእል’ዩ ዝገልጽ።

እዚ ብሰኑይ 23 ሚያዝያ ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ ስደተኛታት ብጸገማውያን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፣ “ኣረሜናዊ ሕጊ” እናተባህለ ይውቀስ ኣሎ።

ፈረንሳ፣ ካብ 2015 ኣትሒዛ፣ ብመንገዲ ኢጣልያ ንዝመጹ ስደተኛታት ንምግታእ ዶባታ ብሰራዊት ዓጽያ ትርከብ።

ኣብ ፈረንሳ፣ ዓመታዊ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ኣስታት 15 ሽሕ ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ክትህብ ምጽንሓ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት የመልክቱ።

ብዘይካ’ዚ፣ ናብዛ ድሕሪ ጀርመን ኣብ ኤውሮጳ ብቁጠባ ዝሓየለት ምዃና ዝንገረላ ሃገር፣ ዓመታዊ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብምእታው ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ እናሰርሑ ከምዝነብሩ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይጠቅስ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0