ቐጠር ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝቐረበላ ክሲ ነጺጋቶ

Radio Erena: 01 December 2019

ቐጠር ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝቐረበላ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ነጺጋቶ።

መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ኣፈኝኡ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ቐጠር ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብምትሕብባር ጸጥታይ ትዘርግ ኣላ ምባሉ፣ ነቲ ሓቂ እንዳፈለጦ ንምንታይ ነዚ ዝተሰነዐ ናይ ሓሶት ክሲ ከምዘቕረበ ንጹር ኣይኮነን ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ምላሽ ሂቡ።

ኣብቲ ብሓሙስ 28 ሕዳር ዝወጸ መግለጺ፣ ቐጠር ነቲ ቀሪቡላ ዘሎ ናይ ሓሶት ክሲ ትፈጽሞ ኣይትፈጽሞ ብዘየገድስ፣ መንግስቲ ኤርትራ መጀመሪያ በቲ ስሩዕ ናይ ዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክፈትሖ ክፍትን ኔሩዎ ድሕሪ ምባል፣ ብቐጥታ ናብ ጸለመን ውንጀላን ምእታው ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ኣይኮነን ኢሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እውን ተመሳሳሊ ክሲ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ንግስነት ቐጠር ኣብ ሃገሩ ንዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ከምዝሃበ ዝዝከር እዩ።

እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፣ ቐጠር ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዝሰርሑ ወገናት ርክብ ከምዘይብላ፣ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ከኣ ጠንቂ ናይቲ ክሲ ብምምርማር ካብ መሰረቱ መእለዪ መንገዲ ክገብረሉ ክጽዕር ተላብዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0