ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ከም መቐጸልታ ናይቲ ኢትዮጵያ ዑደቱ ናብ ጅቡቲ’ውን ምብጻሕ ፈጺሙ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ከም መቐጸልታ ናይቲ ኢትዮጵያ ዑደቱ ናብ ጅቡቲ’ውን ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 16 March 2016

SomPMin DJ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዓብድረሽድ ዓሊ ሻርማርክ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዑደት ኣብ ጅቡቲ’ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ተዘራሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፣ ምክልኻልን መጓዓዝያን ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ መሪሑ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ሶማልን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት’ዩ ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ተዘራሪቡ።

 

ጅቡቲ ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ወግዓዊ ደገፍ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብታ ሃገር’ውን ኣብ ጎኒ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋፈሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወትሃደራት ኣለዋ።

ተወሳኺ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ንምልኣኽ’ውን መደብ ኣለዋ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ጸጥታኣ ንምውሓስን ነቲ ዝዓበየ ብድሆ ኮይኑዎ ዘሎ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምምካትን ናይ ጎረባብቲ ደገፍን ሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዋን፣ ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ጥቡቕ ዝምድና መስሪቱ ምህላዉ’ዩ ዝንግር።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዎ’ውን ብወግዒ’ዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ናይ ሶማል ጉዳይ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ካልእ ዞባውን ኣህጉራዊን ጉዳያት’ውን ተነጺሉ’ዩ ዝርከብ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0