ኣብ ሽወደን ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ልኡም መርገጺ ዘለዎም ፖለቲከኛታት ክመርጹ ጎስጓስ ተኻይድሎም

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ልኡም መርገጺ ዘለዎም ፖለቲከኛታት ክመርጹ ጎስጓስ ተኻይድሎም

Radio Erena: 05 September, 2014

Sweden election

ኣብ ሽውደን ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፣ ናይ ሽወደን ዜግነት ዝሓዙ ኤርትራውያ ደገፍቲ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተደናጋጺ መርገጺ ንዘለዎም ፖለቲከኛታት ንኽመርጹ፣ ብወከልቲ ህደግፍ ጎስጓስ ክካየደሎም ከምዝቐነየ ተገሊጹ።

እቶም ናይ ሽወደን ዜግነት ዝሓዙ ኤርትራውያን፣ ነቲ ዜጋታት ብምዃኖም ኣብ ሽወደን ዝረኸብዎ መሰል፣ ኣብ ኤርትራ ዝነበር ኤርትራዊ ናይ ክምረጽን ክመርጽን መሰል ተሓሪምዎ እናተዓዘቡ፣ ምስ ህግደፍ ይዳናገጹ’ዮም ወይ ድማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተሪር መርገጺ የብሎምን ንዝብልዎም ፖለቲከኛታት ክመርጹ ምውሳኖም፣ ካብ ረብሓ ሃገርን ህዝብን ውልቃዊ ረብሓታት ዘቐድሙ ምዃኖም ሓያሎ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ይነቕፉ።

 

ኤርትራ ክዛወሩላ’ምበር ክነብሩላ ዘይመርጹ ናይ ሽወደን ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብዛ ዝነበርሉ ዘለዉ ሃገረ ሽወደን ናይ ምምራጽ መሰሎም ክጥቀምሉ ብኣባላት ህግደፍ ጎስጓስ ክካየደሎም እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ኸ ስለምንታይ ምርጫ ዘይካየድ ዝብል ሕቶ ከቕርብ ዝተብዐ ሰብ ዘይምንባሩ ድማ እቶም ደገፍቲ መንግስቲ፣ ብውልቃዊ ረብሓታት ማዕረ ክንደይ ዓዊሮም ከምዘለዉ ዘገንዝብ’ዩ ክብሉ’ውን እቶም ደለይቲ ፍትሒ ወቒሶም።

ንናይ ፓርላማ ኣባል ዝወደድር ንዘሎ ኤርትራዊ ዝመበቖሉ ሽወደናዊ፣ ምስ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝወገነን ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ድማ ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎን’ዩ ብምባል’ውን እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ከይመርጽዎ’ውን ብጉድ ይዛረብሉ ምህላዎም ካብ ስቶኮልም ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ኣብ 14 መስከረም’ዩ ክካየድ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0