ሽወደን፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ካብ ምምሕዳር ስቶኮልም ሓገዝ ከምዘይረክብ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Tuesday, 12 March 2024

ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ንፌስቲቫል ኤርትራ ዝህቦ ዝነበረ ደገፍ ክስሕቦ ምኳኑ ዳገንስ ኒሄተርንዝተባህለት ጋዜጣ ብምጥቃስ ራድዮ ሽወደን ትግርኛ ሓቢራ።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ሽወደን፣ ከተማ ስቶክሆልም፣ ብስም ፈስቲቫል ኤርትራኣብ ዝተኻየደ ጓይላ፣ ካብ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱተቓውሞ ከምዝገጠሞን፣ ናብ ዕግርግርን ባእስን ክሳብ ምቅጻል ቴንዳታትን ከምዘምርሐ ይፍለጥ::

ፈስቲቫል ኤርትራኣብ ክንዲ መላለይን መዐቀብን ባህሊ፣ ልምዲ፣ ምምዕባል ጥበብ፣ ትምህርቲ፣ ምዕባለን፣ መሃዝነትን ምብልሓትን ናብ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲንካ ፈኸራ፣ ትምዩን ጠበናጁ ሒዝካ ምቅንጃው ኲናትን ጽልእን ተቐይሩ ምጽንሑዩ ዝንቐፍ።

ብርጌድ ንሓመዱኣንጻር ከምዚ ዝኣመሰለ ፈስቲቫላት ህግደፍ ኣብ ዘካየዶ ምንቅስቓስ፣ ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን መዘራረቢ ማዕከናት ዜናን ፖለቲከኛታትን ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ውን ብተመሳሳሊ ኣዛራቢ ኮይኑን ብዙሕ ነቐፌታ ወሪድዎንዩ።

እቲ ናይ ስቶኮልም ፌስቲቫል ክካየድ ድገፍ ዝህብ ዝነበረ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ፣ ኣብዚ እዋንዚ መርገጺኡ ብምቕያር፣ ብምምሕዳር እታ ከተማ ዝወሃቦ ዝነበረ ሓገዝ ደው ክብል ወሲኑ ኣሎ።

በዚ ውሳኔ መሰረት፣ እቲ ፌስቲቫል ናይ ኤለክትሪክ፣ ማይን ዓይኒ ምድሪን ኣገልግሎታት ኣይረክክብንዩ። ኣዳራሻት ናይ ምክራይ ፍቓድውን ኣይክወሃብን እዩ።

ኣብ ልዕልዚ፣ ፈስቲቫል ንምክያድ ዘድልይ፣ ክማልእ ዘለዎ ደሞክራሲ ዘማእከላ ቕጥዕታት ክወጽእ ዩ።

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0