ሽወደን፣ ቤተክርስትያን ፊላደልፍያ፣ ኣዳራሻ ንሰሚናር ህግደፍ ምክራያ ከምዘጣዓሳ ገሊጻ

Radio Erena: 22 October 2021

ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም እትርከብ ናይ ኣመንቲ ጴንጠቖስጣል ቤተክርስትያን ፊላደልፍያ፣ ኣዳራሻ፣ ሰበ ስልጣን ህግደፍን ሰዓብቶምን ንዘካየድዎ ሰሚናር ምክራያ ከምዘጠዓሳ ከምዝገለጸት፣ ማዕከን ዜና ዜና ዳገን ሓቢሩ።

እታ ቤተ ክርስትያን፣ ነቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኤርትራ ተመሪሑ፣ ብ16 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሰሚናር፣ ኣዳራሻ ምክራያ ዝተጣዕሰትሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣመንቲ እምነት ጴንጠቆስጣል ብምእሳርን ብምስቓይን ዝተፈልጠ ብምዃኑ ድሒራ ምስ ኣረጋገጸት’ያ።

ኣቐዲማ ብዛዕባ’ቲ ናይ ኤርትራ ኩነታት እኹል ኣፍልጦ ከምዘይነበራ ዝገለጸት እታ ቤተ ክርስትያን፣ ንመጻኢ ተመሳሳሊ ጌጋ ንኸይትፍጽም፣ ኣዳራሻ ቅድሚ ምክራያ ምጽራይ ክትገብር ምዃና ኣገንዚባ።

ህግደፍ ንክራይ ኣዳራሽ ዝኸፈላ ገንዘብ ድማ ነቲ ንመሰል እምነት ክርስትና ዝጣበቕ ‘ኦፐን ዶርስ’ ዝተባሃለ ኣህጉራዊ ትካል ከምዘወፈየቶ ኣፍሊጣ።

ብዛዕባ ምስ ኵናት ትግራይ ተተሓሒዙ ተፈጢሩ ዘሎ ህሉው ኩነታት ብዝምልከት፣ ብሰበ ስልጣን ህግደፍን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተመሪሑ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝጀመረ ጽዑቕ ሰሚናራት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እዚ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ይቕጽል ኣሎ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0