ሶማል፣ ካብ ኢጋድ ክትወጽእ ከምእትኽእል ኣፍሊጣ

Radio Erena: 29 January 2021

ሶማል፣ ነቲ ምስ ኬንያ ዘስሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ኣመልኪቱ፣ ከጻሪ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኢጋድ፣ ጸግዒ ኬንያ ሒዙ ብዝብል ካብቲ ዞባዊ ውድብ ክትስሕብ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ።

እቲ ብጂቡቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ፣ ኣጻራዩ ኮሚተ፣ ኬንያ ኩሉቲ ብሶማል ዝቐረበላ ክስታት ከምዘይወዓለቶ’ዩ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ሶማል፣ ብ27 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፣ እቲ ብኢጋድ ዝተመዘዘት ኣጻራዩ ኮሚተ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ጸግዒ ዝሓዘን፣ ዘይፍትሓውን ስለዝኮነ ንብምሉኡ ከምዝነጽጎ ኣፍሊጡ።

ኢጋድ፣ ንዘቕረቦ ጸብጻብ ይቕሬታ እንተዘይሓቲትሉን፣ ኣብ ጉዳይ ሶማልን ኬንያን ንዘሎ ምስሕሓብ ጸግዒ ኬንያ ምሓዝ እንተቐጽሊ ድማ ሶማል ካብቲ ዞባዊ ውድብ ክትስሕብ ምዃና ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ገሊጹ።

ኬንያ ንርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ዕጡቓትን ብምድጋፍ፣ ኣንጻር ሉኣላውነት ሶማል ትሰርሕ ከምዘላ’ዩ መንግስቲ ሶማል ዝወቕስ።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣሕመድ ማዶበ፣ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል ንኸይሳተፍ፣ ብኬንያ ከምዝተደፋፍ’ውን ትኸስስ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኬንያ ንኹሉ’ቲ ብሶማል ዝቐረብ ክሲታት ብምንጻግ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ እቲ ጉዳይ ብኢጋድ ብዝተመዘዘት ኣጻራዩት ኮሚተ ክጽናዕ ውሳኔ ሓሊፉ።

ኬንያን ሶማልን፣ ኣቐዲመን’ውን ብጉዳያት ጸጥታ ዶባትን ኣልሸባብ ዝፍጽሞ መጥቃዕትን ከምኡ ድማ ዋንነት ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያንሶ ዝርከብ ክሊ ማይ ክስሓሓባ ጸኒሐን’የን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0