ሶማልያ ካብ ጂቡቲ ናይ ፋይበር ኣገልግሎት ክትረክብ’ያ

ሶማልያ ካብ ጂቡቲ ናይ ፋይበር ኣገልግሎት ክትረክብ’ያ

Radio Erena: 27 August 2017

 fibreሶማልያ ልዑል ቅልጣፈ ዘለዎ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ንምርካብ ምስ ጂቡቲ ስምምዕ ፈሪማ።

ሚኒስተር ቴሌኮሚንኬሽን ሶማልያ ኣብድ ኣሹር ሓሰን፣ ኣብ ጂቡቲ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ነቲ ስምምዕ ከምዝፈረመ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እዚ ልዑል ፍጥነት ዘለዎ ናይ ፋይበር ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ሶማልያ ኣቐዲሙ ኣትዩ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ተክኒካዊ ጸገም እታ ሃገር ን21 መዓልታት ብዘይ ኢንተርነት ምጽናሓ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ድሕሪ ምግላጽ እቲ ሶማላዊ በዓል ስልጣን፣ እዚ ካብ ጂቡቲ ዝርከብ ናይ ፋይበር ኣገልግሎት ግና ዝያዳ ውሕስነት ዝህብ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ እቲ ኣብ መንጎ ጂቡቲን ሶማልያን ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ከስፋሕፍሕ እንተኽኢሉ፣ ስሉጥ ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥ ተኽእሎ ስለዝፈጥር ንምዕባለ’ቲ ዞባ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0