ስግኣት መጥቃዕትታት ሑቲ ኣብ ከባቢ ዓሰብ

Radio Erena: Wednesday 17, January 2024

ብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን ንወደባዊት ከተማ ዓሰብ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ተደጋጋሚ ክስተታት መጥቃዕቲ ይርአ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሑቲ፡ ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ዝገበረ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጋዛ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት ደው ክሳብ ተብሎ፡ ኣብተን ምስ እስራኤል ርክብ ኣለወን ወይ ብእስራኤል ይመሓደራ እየን ዝበለን ንግዳውያን መራኽብ መጥቃዕትታቱ ደው ከምዘየብል በብእዋኑ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ ካብ ወደብ ዓሰብ 100 ኪሜ ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሑቲ ምዃና ዝተሓበረ ጃልባ፡ ንሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ዜራታ ከምዝተመልሰት ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ስርሒታት ባሕርያ ንግዲ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ይኹን ሰራሕተኛታታ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ውን ኣረጋጊጹ።

ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ ንናጻ ዋሕዚ ንግድን ባሕረኛታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ምኻኑ ዝተፈለላለዩ ፖለቲከኛታት ይገልጹ።ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ንናጻ ዋሕዚ ንግድን ባሕረኛታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ምኻኑ ዝተፈለላለዩ ፖለቲከኛታት ይገልጹ።

ቀይሕ ባሕሪ ዓቢ መስመር ዓለማዊ ንግዲ ክኸውን እንከሎ ኣስታት 12% ካብ ዓለማዊ ንግዲ ብቐይሕ ባሕሪን ሱዌዝ ካናልን ይሓልፍ።

ገለ ኩባንያታት ብህንዳዊ ውቅያኖስ ኣቢሉ ንደቡብ ዝጓዓዝ ሓድሽ መስመር ክጥቀማ መደብ ከምዘለወን ውን ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0