ስዑዲ ዓረብ፣ ደሞዝ ሚኒስተራት ይቕንስ

Radio Erena: 29 September 2016

Sau

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ምንቁልቋል ባጀት፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክትቅንስ ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ወጻኢታት መንግስቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናነሃረ ብምምጽኡ፣ ኣብ ባጀት መንግስቲ ጽልዋ ስለዝፈጠረ፣ ደሞዝ ሚኒስተራትን ሰበ ስልጣንን ብ20 ሚእታዊት ክትቅንስ እንከላ፣ ንኣበል ካብ ዝወሃቦም ወጻኢታት ከኣ ብ15 ሚእታዊት ከተጉድሎ’ያ።

እዚ ምቕናስ ደሞዝ፣ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታ መንግስቲ ብቀጥታ ዘይጸሉ እኳ እንተኾነ፣ ወሰኽ ደሞዝ ከምዘይግበረሎምን ንዓመታዊ ዕረፊ ዝኽፈሎም ድማ ከምዘይህሉን ተፈሊጡ ኣሎ።

ክልተ ሲሶ ካብ ስዑዳውያን ሰራሕተኛታት ምዃኖም ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣበሎምን ኣብ 2015 128 ቢልዮን ዶላር ከምዝነበረ ዝሓበረ ቢቢሲ ከኣ፣ እዚ 45 ሚእታዊት ናይ ሓፈሻዊ ወጻኢታት እታ ሃገር ከምዝሽፍን ኣረዲኡ።

ዋጋ ነዳዲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብደረጃ ዓለም ብምንቁልቋሉ፣ ኣታዊታት ስዑዲ ዓረብ ከምዝነከየ’ዩ ዝንገረሉ።

በንጻሩ ድማ ሓፈሻዊ ወጻኢታታ እናዓበየ ብምምጽኡ፣ እታ ሃገር ኣታዊታትን ወጻኢታትን ንምትዕርራይ’ያ ናይ ደሞዝ ምቕናስ ትገብር ዘላ።

እዚ ምቕናስ ደሞዝ፣ ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ስዑዳውያን ዝሰርሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታት ይህብሉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0