ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ኣዋፊራቶ ዝጸንሐት ኣዛዚ ሰራዊት ካብ ስልጣኑ ሰጕጓቶ

Radio Erena: 02 September 2020

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ኣዋፊራቶ ዝጸንሐት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፣ ካብ ስልጣኑ ከምዝሰጎጎቶ ኣፍሊጣ።

ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ፣ ኣብ ዘመሓላልፎ ትእዛዝ፣ ንልዩተናት ጀነራል፣ ልኡል ፋሃድ ቢን ቱርኪ ካብ ዝነበሮ መዝነት ዘባረሮ ብምኽንያት ብልሽውና ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

እቲ ንጉስ፣ ነቲ ጀነራል ጥራይ ዘይኮነ ንወዱ’ውን ካብ ዝነበሮ ካልእ መዝነት ብተመሳሳሊ ክሲ ኣልዒልዎ ኣሎ።

ምስጓግ እዞም ክልተ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተ ሰብ፣ ብልሽውና ምዃኑ ንግስነት እታ ሃገር እኳ እንተጠቐሰ፣ እቲ ጀነራል፣ ንወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ስግኣት ክኸውን ይኽእል’ዩ ብዝብል ምዃኑ ካልኦት ወገናት ትንታነታቶም ይህቡ።

ካልኦት ስሞም ዘይተጠቕሱ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ውን ምስ ብልሽውና ብዝተሓሓዝ ምጽራይ ይካየደሎም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ወዲ 84 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ንጉስ ሳልማን፣ ተሰሪዑ ንዝነበረ መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ብምቑጻይ፣ ንወዲ 35 ዓመት ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ወራሲ ዓራት ክኸውን ድሕሪ ምርቁሑ፣ ክቃወሙ ወይ ስግኣት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ንዝበሎም 10ታት ኣባላት ንጉሳውያን ቤተሰብ ብኽሲ ብልሽውና ከምዝኣሰሮም’ዩ ተገሊጹ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፋሃድ ቢን ቱርኪ፣ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ድማ መቐጸልታ ናቱ ምዃኑ ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ።

ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ወትሃደራዊ ዓወት ክሕፈሶ ዘይክኣለሉ ምኽንያት ሓደ ብልሽውና ኣዘዝቲ ሰራዊት’ዩ ዝብል ምዕዝምዛማት ካብ ወገን ስዑዲ ዓረብ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0