ስዑዲ ዓረብ፣ ን30 ደቂንስትዮ መራሕቲ ባቡር ዝወጽአ ናይ ስራሕ ዕድል፣ 28 ሽሕ ኣመልኪተን

Radio Erena: 18 February 2022

ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መራሕቲ ፈጣናት ባቡር ክኾና ንዝደልያ 30 ደቆንስትዮ ክፉት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዘሎ ምስ ተሓበረ፣ ኣስታት 28 ሽሕ ደቂንስትዮ ከምዘመልከታ ኣራብ ነዊስ ገሊጹ።

ዋና ኣካያዲ መንገዲ ባብር ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ፣ ናይ ስጳኛ ትካል ረንፈ፣ ነቲ ካብ ሱዑዳውያን ደቂንስትዮ፣ ብኢንተርነት ዝመጾ ‘ናይ ስራሕ ንደሊ ኢና’ መመልከቲ ሰነዳት፣ ብመሰረት ክማላእ ኣለዎ ኢሉ ዘቕርቦ ቅጥዕታት ብምጽራይ፣ ነቲ ብዝሒ ናብ ፍርቂ ከጉድሎ ይጽዕር ምህላዉ፣ ብ16 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ንምምራሕ ፈጣናት ባቡር ይበቕዓ’የን ዝበለን 30 ስዑዳውያን ደቂንስትዮ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ክመምየን ተስፋ ከምዘለው እቲ ትካል ጠቒሱ።

ድሮ 80 ደቂተባዕትዮ መራሕቲ ባቡር ቆጺሩ ዘሎ ትካል ረንፈ፣ 30 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ተወሰኽቲ 50 ሰራሕተኛታት ንምቑጻር ካብ ዘቕረቦ ረቛሒታት፣ ኣካዳምያዊ ብቕዓትን ምልከተ ቋንቋ እንግሊዝን’ዩ።

ነዚ ሞያ ‘ዚ ዝተሓጽያ 30 ደቂንስትዮ፣ ነቲ ካብን ናብን ከተማታት መካን መዲናን ዝሕንበብ ባቡር ንምምራሕ፣ ደሞዘን እናተኸፍለን ንሓደ ዓመት ክስልጥና’የን።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ዘመናዊ መንገዲ ባቡር ዝዝርግሕ ዘሎ ናይ ስጳኛ ኩባንያ ረንፈ፣ ስዑዳውያን ደቂንስትዮ መራሕቲ ፈጣናት ባቡር ክቖጽር ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ እታ ሃገር ደቂንስትዮ ኣብ ኩሉ ዓውድታትን ሞያን ክሳተፋ ዘኽእል መሰላት ብመጠኑ ብዝኸፈተቶ ዕድላት’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ 2017 ብዘውጻቶ ኣዋጅ መሰረት፣ ደቂንስትዮ ብዘይሓገዝ ደቂተባዕትዮ፣ ባዕላተን መኪና ክዝውራ ከምዝፈቕደት ይዝከር።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0