ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ ዝልኣኽ ነዳዲ ደው ኣቢላቶ

Radio Erena: 14 October 2016

Sou Egy

ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ ዝልኣኽ ዝነበረ ነዳዲ ካብ 1 ጥቅምቲ ኣትሒዛ ደው ከምዘበለቶ ይግለጽ ኣሎ።

ስዑዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 700 ሽሕ ቶን ነዳዲ ናብ ግብጺ ክትልእኽ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት እዚ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ‘ኳ እንተበጽሓ፣ ስዑዲ ብሃንደበት ናብ ግብጺ ከምዘይትልእኽ ከምዝገለጸት ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ግብጺ ሳላ ዝወሰደቶ ቅጽበታዊ ስጉምቲ፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ነዳዲ ብህጹጽ ከተምጽእ ከምዝኸኣለት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ነዳዲ ግብጺ ንጋዜጣታት ሃገሩ ገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ ናብ ግብጺ ነዳዲ ምልኣኽ ደው ዘበለትሉ ምኽንያት ብወግዒ ዝሃበቶ መግለጺ የለን።

እንተኾነ፣ ምስቲ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሶርያ ዝሓዘኦ ዝተፈላለየ መርገጺታት ክኸውን ከምዝኽእል ፖለቲካውያን ተንተንቲ ግምታትቶም ይህቡ።

ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ብሩስያን ፈረንሳን ንዝቀረበ ዝተፈላለየ እማመታት ብምድጋፋ ነታ፣ ምትእትታው ሩስያ ኣብ ሶርያ ጠቕሊላ እትቃወም ስዑዲ ከምዘቖጠዐ እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

ብዘይካ’ዚ ግብጺ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ምምስራት እንተደፊኣትሉን፣ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ብሓባር ናይ ምስራሕን ኣንፈታት ተርኢ ብምህላዉ፣ ንስዑዲ ናብ ዝበኣሰ ቁጠዐ ከምርሓ ይኽእል’ዩ ዝብል ትዕዝብቲ’ውን ኣሎ።

ግብጺ፣ ከተመሓድሮ ዝጸንሐት ሓያሎ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ንስዑዲ ድሕሪ ምርካባ፣ ስዑዲ ስዑዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 700 ሽሕ ቶን ነዳዲ ናብ ግብጺ ክትልእኽ’የን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ስምምዕ በጺሐን።

ስዑዲ፣ ኣብ ርእሲ’ኡ’ውን ንመሕወዩ ቁጠባ ግብጺ ክሕግዝ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2 ቢልዮን ዶላር ኣብ ሃገራዊ ባንክ ግብጺ ከምዘቀመጠት ይፍለጥ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ 12 ቢልዮን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከኣ1 ቢልዮን ዶላር ኣብ ሃገራዊ ባንክ ግብጺ ከቐምጣ እንከለዋ፣ ምስ ናይ ስዑዲ ሓዊስካ ኣብዚ ባንክ’ዚ ዝተቐመጠ ውህኢል ናይ ወጻኢ ገንዘብ 19.6 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብምጥቃስ ሮይተርስ ይሕብር።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0