ስዑዲ ዓረብ፣ ምስሓብ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ካብ የመን የሻቕላ

Radio Erena: 18 July 2019
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ካብቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ስትራቴጃዊ ከባቢታት ክትስሕብ ምውሳና፣ ንስዑዲ ዓረብ ከምዘሻቐላ ፖለቲካውያን ተንተንቲ ገሊጾም።

ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን የመን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝገደፎ ከባቢታት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ይትካእ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም።

ስዑዲ ዓረብ፣ ንኹሉ’ቲ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዝገደፎ ከባቢታት የመን ንምቑጽጻሩ እኹል ብዝሒ ሰራዊት ከምዘይብላ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

ኢማራት ዓረብ፣ ንወደብ ሖደይዳ ንምጥቃዕ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመን ኣብ ዝርከብ ንኣሽቱ ወደባት ሞካን ኮሓካን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ዘቖመቶ ወትሃደራዊ መዓስከራት ትስሕበሉ ዘላ ምኽንያት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

እንተኾነ፣ ኢማራት ዓረብ፣ ሰራዊታ ካብ የመን ጠቕሊላ ከምዘይትስሕብ’ያ ትሕብር።

ኢማራት፣ ናብ የመን ዝቐንዐ ስርሒታት ንምክያድ ንወደብ ዓሰብ’ውን ክትጥቐመሉ ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

በዚ ጀሚራቶ ዘላ ምስሓብ ሰራዊት፣ ነዚ ናይ ኤርትራ መዓስከር’ውን ክትሓድጎ ድያ ወይስ ክትጸንሕ’ያ ዝተሓበረ ነገር የለን።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ስርሒት ኣንጻር ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ህይወት ኣሽሓት ሰባትን ቢልዮናት ዝግመት ንብረትን ካብ ምዕናው ሓሊፉ፣ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ፖለቲካዊ ይኹን ወትሃደራዊ ዓወታት ከመዝግብ ከምዘይክኣለ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክሰዓር ዘይክኣለ ሑቲ፣ ኣብ ሽወደን ድሕሪ ዝተኸመተ ስምምዕ፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝጸንሐት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖደይዳ ናብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ኣካል ንምርካብ ኣብ መስርሕ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0