ስዊዘርላንድ፣ ብባርዕ ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት፣ ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዮም

ስዊዘርላንድ፣ ብባርዕ ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት፣ ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዮም

Radio Erena: 28 November 2018

Swiss fire2

ብሰኑይ 26 ሕዳር ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ካንቶና ሶሎተርን፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ ዝነብርሉ ህንጻ፣ ብዘጋጠመ ባርዕ ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት ዜጋታት ኤርትራን ምዃኖም ተገሊጹ።

ክልተ ካብቶም ግዳያት ቆልዑ’ዮም። 

ጠንቂ’ቲ ባርዕ፣ ብግቡእ ዘይጠፍአ ሽጋራ ምዃኑ መባእታዊ ጸብጻብ ፖሊስ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ስዊስ ኢንፎ ይጠቅስ።

ካብቲ ባርዕ ምስ ውላዳ ንምህዳን ዝፈተነት ክትከውን እትኽእል ዝተገልጸት ኣደ’ውን ኣብ ኣፍደገ ‘ቲ በዓል ኣርባዕተ ደርቢ ህንጻ ሞይታ ክትርከብ እንከላ፣ እቲ ቆልዓ ግና ብህይወት ድሒኑ ኣሎ።

ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተገልጸ ዝቖሰሉ ሰባት’ውን፣ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ኣለዉ።

ነቲ ብግቡእ ዘይጠፍአ ሽጋራ “ዝደርበየ’ዩ” ዝተባህለ ጥርጡር፣ ብሰንኪ ሸለልትነቱ፣ ኣብ ህይወት ሰባት ሞትን ጉድኣትን፣ ኣብ ንብረት ድማ ዕንወት ብምውራዱ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ኣብቲ ህንጻ፣ ትሽዓተ ሓተቲ ዑቕባ ክነብሩ ጥራይ ዝተፈቕደሎ እኳ እንተኾነ ኣብ እዋን ‘ቲ ባርዕ 20 ሰባት ምንባሮም ይጻረ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0