ስዊዘርላንድ፣ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ብ11% ጎዲሉ

Radio Erena: 21 August 2019

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ 3347 ሓተቲ ዑቕባ ከምዝተመዝገቡ ንክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ለ ኒውስ ሓቢሩ።

እዚ ብዝሒ’ዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ክወዳደር እንከሎ ብ11%’ዩ ጎዲሉ።

ይኹን’ምበር ሕጂ’ውን ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብታ ሃገር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

ዜጋታት ኣፍጋኒስታንን ስሪላንካን ድማ ብብዝሖም ብቅድመ ተኸተል፣ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ይሕዙ።

ኣብታ ሃገር ልዕሊ 10 ሽሕ ስደተኛታት ጉዳዮም ውሳኔ ክወሃቦ ኣብ ትጽቢት ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፣ ናይ 1470 ስደተኛታት ጉዳይ ክርአ እንከሎ፣ 433 ምሉእ ዑቕባ፣ 333 ግዝያዊ ዑቕባ እቶም ዝተረፉ 272 ድማ ጠቕላላ ዝተነጽጉ’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0