ሱዳን: ጻውዒት ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ ‘ጾመ -ሮመዳን’

RADIO ERENA – Tuesday, 12 March 2024

ወርሒ ጾም ሮመዳንጀሚርሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ጾምን ጸሎትን ከሕልፍዎ እዩ ሃይማኖቶም ዝእዝዞም::

ነዚ ንምትግባር ሱዳናውያን ኣመንቲ ናይ ጸጥታ ውሕስነት: ሰላምን ምርግጋእን ስለዘድልዮም፣ ኣብ ኲናትን ሓድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ ጀነራላት ታ ሃገር፣ ብውሕዱ ኣብዛ ወርሒ ተጻብኦ ደው ከብሉ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ነቲ ጻውዒት ክቕበሎ፣ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት እታ ሃገር ግን ነጺግዎ።

ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ኣብ እንዱርማን ከባቢ ካርቱም ብተወርዋሪ ሓይሊ ተታሒዙ ዝጸንሐ ቦታታት ኣብ ምምላስ ዝርከብ ኮይኑ ተኹሲ ደው ምባል ኣንጻር ረብሕኡ እዩ::

ሰራዊት ሱዳን፣ ተኹሲ ደው ንምባል ክሰማማዕ እንተኾይኑ ፈጣን ሓይልታት ሒዞሞ ካብ ዘለዉ መንበሪ ኣባይቲ ሰላማውያን ሰባት፣ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ካልእን ክወጹ፣ ምክትል ኣዛዚ ቲ ሰራዊት፣ ያሲር ኣልዓጣ፣ ከም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ::

ሮሞዳን ታሽዓይቲ ወርሒ ካብ ዓውደ ኣዋርሕ ሂጅሪያ (እስላማዊ ዓውደኣዋርሕ) ኮይና ነቢ መሓመር ቅዱስ ቁርኣን ዝተቐበለላ እዋንያ ተባሂላ እያ ትእመን።

ጾም ሮሞዳን፣ ሓደ ካብ ተኸታሊ እምነት እስልምና ከተግብርዎ ካብ ዝግብኦም ሓሙሽተ ኣዕኑድ ሓንቲ እያ። ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ስለ እትውዕል ድማ ጾም ሮሞዳንተባሂላ።

ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት ምስልምና፣ ሻሃዳ – ከም ኣማኒ፣ ብዘይካ ሓደ ኣላህ ካልእ ኣምላኽ ከምዘየለን መሓመድ ድማ ነብኡ ምዃኑን ምእዋጅ፣ ሳላት ስግደትን ጸሎትን ምግባር፣ ስያምኣብ ወርሒ ሮሞዳን ምጻም፣ ዛካት ምልጋስ ወይ ካብ ዘለካ ምክፋል፣ ሓጅ ናብ መካ ናይ እምነት ንግደት ምክያድንየን።

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0