ሱዳን ካብ ማዕከን ገንዘብ ሃገራት ዓረብ ተወሳኺ ፊናንስያዊ ልቓሕ ትረክብ

ሱዳን ካብ ማዕከን ገንዘብ ሃገራት ዓረብ ተወሳኺ ፊናንስያዊ ልቓሕ ትረክብ

Radio Erena: 25 December 2015

su abu

ማዕከን ገንዘብ ሃገራት ዓረብ ቁጠባ ሱዳን ንምብርራብ 166 ሚልዮን ዶላር ብልቓሕ ሂቡ።

እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዝመደበሩ ፊናንስያዊ ትካል ሃገራት ዓረብ፣ ነታ ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ እትሳቐ ዘላ ሱዳን ቁጠባኣ ንምብርባር ኣቐዲሙ’ውን ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ኣለቒሑዋ ምንባሩ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ትካል፣ ንሱዳን ብድምር 400 ሚልዮን ዶላር ንኸለቅሓ ዘቀመጦ ረቛሒታት ብንጹር ኣይተሓበረን።

 

ይኹን’ምበር እታ ሃገር ኣብ 2016/17 ንእተኣታትዎ ቁጠባዊ ጽገናታት ክሕግዛ ምዃኑ እቲ ትካል ገሊጹ ኣሎ።

ኣቐዲመን’ውን ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን፣ ነቲ ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝዳኸም ዘሎ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ንምሕዋይ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ኣብቲ ባንክ ከምዘቐመጣ ኣይርሳዕን።

ሱዳን ካብ ሃገራት ዓረብ ገዚፍ ፊናንስያዊ ደገፍ ዝግበረላ ዘሎ ኣምሳያ ናይቲ ሶኡዲ ዓረብ ምስ ዝመራሒቱ ወትሃደራዊ ኪዳን ምጽንባራ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሱዳን ተወሳኺ ሰራዊት ናብ የመን ከተዋፍር ከምእትኽእል ሚኒስተር ደጊማ ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ምስ መደበር ቴሌቪዥን ኣቡዳቢ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ሱዳን ተወሳኺ ሰራዊት ከተበርክት ብስዑዲ ዓረብ እንተተሓቲታ ድልውቲ ምህላዋ ኣረጋጊጹ።

ሱዳን ኣስታት 900 ወትሃደራት ኣብ የመን ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

እታ ሃገር ኣስታት 1500 ተወስኺ ሰራዊት ንምውፋር’ውን ድልውቲ ምህላዋ ኣቐዲማ ጠቒሳ’ያ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0