ሱዳን ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ምስ ኣመሪካ ቀጥታዊ ዝርርብ ከተካይድ ከምእትደሊ ገሊጻ

ሱዳን ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ምስ ኣመሪካ ቀጥታዊ ዝርርብ ከተካይድ ከምእትደሊ ገሊጻ

Radio Erena: April 24, 2014

Carter Al Bashir

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ እገዳ ንክልዓለ ምስ ኣመሪካ ቀጥታዊ ዝርርብ ከካይድ ድሉው ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ 1997 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ንኽልዓለ፣ ፓርላማ ሱዳን ምስ ባይቶ ኣመሪካ ቀጥታዊ ዝዝርከብ ከካይድ ከምዝደሊ ኣፈኛ እቲ ፓርላማ ኣል ፈትሕ ዒዛዲን ገሊጹ።

እቲ ን17 ዓመታት ጸኒዑ ዘሎ እገዳ፣ ንሱዳን ብኸቢድ ከምዝሃሰያ ዘዘኻኸረ ኣፈኛ ፓርላማ ሱዳን፣ ኣብ ምዕባለን ቴክኖሊጅን ርክባት ብፍላይ ድማ ኣብ መጓዓዝያ ነፈርቲ ነታ ሃገር ንድሕሪት ከምዝመለሳ ተኣሚኑ።

 

ኣብ መንጎ መንግስታት ሱዳንን ኣመሪካን ቀጥታዊ ርክብ ከምዘየለ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣፈኛ ፓርላማ ሱዳን ምስ ኣመሪካ ቀጥታዊ ርክብ ምክያድ ከምዘድሊ ዝጠቐሰ፣ ምስ ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረ ጂሚ ካርተር ዝቖመ ካርተር ናይ ግብረ ሰናይ ትካል ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ’ዩ።

እቲ ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ ትካል ግብረ ሰናይ ካርተር፣ ጽልዋ እገዳ ኣብ ሱዳን ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላው ናብ ኣእዛን መንግስቲ ኣመሪካን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ከብጽሕ ምጽንሑ ድማ ኣልፈትሕ ዒዛዲን ኣመስጊኑ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበረ ጂሚ ካርተር፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ጸኒዑ ዝርከብ እገዳ ክልዓለ ካብ ዝጽውዑ ጸለውቲ ኣመሪካውያን ሓደ’ዩ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0