ሱዳን: ናይ ሰላም ተስፋ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይቕህም

Radio Erena: Monday, 16 October 2023

ኩናት ሓድሕድ ጀነራላት ሱዳን 6ይ ወርሑ ኣቑጺርሉ ኣብ ዘሎ እዋን ሞት ሰላማውያን ሰባት፣ ስቓይ፣ ዕንወት፣ ከውርድ እንከሎ ሚልዮናት ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን ኣለዉ።

ዛጊት ልዕሊ 9 ሽሕ ሱዳናውያን ክቕተሉ እንከለዉ፣ 5.6 ሚልዮን ተመዛቢሎም፣ ከተማ ካርቱም ፈሪሳ፣ ኢንዱስትሪ ዓንዩ፣ ሱዳን ንኹሉ ሽግራት ተቓሊዓን ተንበርኪኻን።

ሓያሎ ሆስፒታላት ተዓጽዩ፣ እኹል ሕክምናዊ ቀረብ የለን፣ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ዝከናኸኖም የብሎምን ሕማማት ብፍላይ ድማ ሸሮኽ ኣስፋሕፊሑ።

ኩናት ደው ንምባል ብፍላይ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ውጽኢት ኣይተረኽቦን፣ ዝነበረ ተስፋታት’ውን እናተጸንቀቐ ይመጽእ ኣሎ።

ኩናት ብዘይምሕረት ቀጺሉ ተቐማጦ ከተማ ካርቱም ንግሆ ንግሆ ብድምጺ መዳፍዕን ጠያይትን ምትሳእ ዳርጋ ልምዲ ጌሮሞ።

ተቐማጢ ከተማ ኡምዱርማን ራሺድ መሓመድ ኣሕመድ፣ ህዝቢ ነፍሲወከፍ ጽባሕ ተኹሲ ደው ክብል እዩ፣ ስምምዕ ክብጻሕ እዩ፣ ሰላም ክኸውን እዩ ዝብል ተስፋ’ኳ እንተነበሮ እዚ ተስፋ ግን መዓልታዊ እናሃሰሰ ፍርሂ እናነገሰ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዶክተራት ብዘይዶብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ዕንወትን ቅልውላውን ሱዳን ኣብ ኩናት ተጸሚዶም ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን ጀነራላት ዘኸተልዎ’ኳ እንተኾነ ማሕበረሰ ዓለም ክከላኸሎ ዘይምኽኣሉ ግን ውድቀት ሰብኣውነት ምኳኑ ይገልጽ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0