ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመለሰቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ከባቢ ሳዋ ይእሰሩ ምህላዎም ተገሊጹ

ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመለሰቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ከባቢ ሳዋ ይእሰሩ ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: 11 September 2017

Kassala

መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመልሶም ዘሎ ኤርትራውያን፣ ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣቃሊዖም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ እቶም ካብ መንግስቲ ሱዳን ዝርከቡ ዘለዎ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ብመንገዲ ከሰላ ኣቢሎም ናብ ተሰነይ ድሕሪ ምእታዎም፣ ብቀጥታ ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ፣ ናብ ዝርከብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ምእሰርቲ ብምግዓዝ መርመራ ከምዝካየደሎም ኣረጋጊጾም።

ድሕሪ ናይ ዝተፈላለየ እዋናት ማእሰርቲ፣ ዝፈጸምዎ ሃገር ራሕሪሕካ ናይ ምህዳም ገበን ኣብ ዝናቦም ከምዘሎ ዝገልጽ ፎርም ብምምላእ፣ እቶም ሃገራዊ ኣልግግሎት ኣይፈጸምናን ዝበሉ፣ ናብ መደበር ታዕሊም ክልኣኹ እንከለዉ፣ እቶም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንባሮም ዝሓበሩ ከኣ ናብ ተሃድሶ ኣሃዱታቶም ይሰጋገሩ ኣለው።

ሓያሎ ካብዞም መንግስቲ ሱዳን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዘረከበቶም ኤርትራውያን፣ ድሕሪ ዝተገብረሎም መርመራ፣ ብፍሉይ ተወሲዶም ደሃዮም ዝጠፍአ ከምዘሎ’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣቐዲሙ ኣማኢት ኤርትራ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዘረከበ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ጥራይ ናብ ኤርትራ ዝመለሶም ሓተቲ ዑቕባ ኣስታት 100 በጺሑ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ሱዳን ዝመደበሩ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ እዚ መንግስቲ ሱዳን ዝቕጽሎ ዘሎ ምምላስ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ፣ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0