ሱዳን ልዕሊ 1 ሽሕ እሱራት ናጻ ክትለቅቕ’ያ

Radio Erena: 05 December 2019

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ 1012 እሱራት ናጻ ክልቀቑ ምዃኖም ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነዕማት ዓብደላ ኣፍሊጣ።

መብዛሕቶም፣ ብሲቪላዊ ገበናት ተቐሲሶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ’ዮም።

ምፍታሕ ናይዞም እሱራት ብዘይቅድመ ኩነት ምዃኑ እታ ፕረዚደንት ብተወሳኺ ኣረዲኣ።

ንሳ ነዚ ዝገለጸት ብሰንበት 1 ታሕሳስ፣ ኣብ ኡምዱርማን እብ ዝርከብ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ድሕሪ ዘካየደቶ ምብጻሕ’ዩ።

እቶም ካብ ዝተፈላለየ ማእሰርቲ ዝፍትሑ እሱራት፣ 196 ኣዴታት ምስ 20 ቆልዑ ደቀን ዘጠቓለሉ’ዮም።

= = = = = = = = = = =

COMMENTS

WORDPRESS: 0