‘ሱዳን፣ ዶባዊ ግጭት ከም መፍትሒ ውሽጣዊ ቅልውላው ትጥቀመሉ ኣላ’ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 03 July 2022

ዶባዊ ምስሕሓብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፤ ኣብ ዝለዓለ ወጥሪ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፤ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምስሕሓብ ኣህጉራዊ መልክዕ ከትሕዞ ፈቲኑ፤ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፤ ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ኣምባሳደራት ብዕለት 30 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፤ ነቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝተኻየደ ሽርሒ ዝበሎ ፍጻሜ፤ መንግስቲ ሱዳን ንናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ጸገማት መሸፈኒ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ 7 ወተሃደራተይ ረሺኑ ብምባል መንግስቲ ሱዳን፤ ሕነኦም ንምፍዳይ ናይ ከቢድ ብረት መጥቃዕቲ ከካይድ ምጅማሩ ኣቐዲሙ ተገሊጹ እዩ። እንተኾነ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፍጻሜ ‘ዘሕዝን’ ኢሉ እኳ እንተገለጾ፤ ኣብቲ ዞባ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ምልሻ ደኣምበር ሰራዊት መንግስቲ ኣይፈጸምዎን ክብል’ዩ ምላሽ ሂቡ።

መንግስቲ ሱዳን ንሽምግልና፤ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ሰጊሩ፤ ብቐጥታ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሲ ምቕራቡ፤ ካብቲ ገጢሙዎ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምግልጋል፤ ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ከም መመሳመሲ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል እዩ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝገልጽ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ትካላትን መንግስታትን፤ ክልቲኦም ወገናት፤ ናብ ኲናት ዘምርሕ ተጻብኦታት ካብ ምግባር ክቑጠቡን፤ ጉዳዮም ብልዝብ ክፈትሑን ምሕጽንታ ኣቕሪቦም እዮም።

ብዘይካ’ዚ ብሓድሽ መልክዕ ጀሚሩ ዘሎ ዶባዊ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን፤ ብጉዳይ’ቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ሃይድሮኤለክትሪክ ጸዓት እውን ክልቲኤን ሃገራት ዘይተፈትሐ ጉዳይ ከምዘለወን ይፍለጥ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0