ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ንሲቪላዊ ወገን መሰጋገሪ መንግስቲ በቲኑ

Radio Erena: 25 October 2021

ኣብ ሱዳን፣ ብልፍንቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቝሙ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ነቲ ሲቪላዊ ወገን ከምዝኣለዮ ተሓቢሩ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንምዝራሕ ሲቪላዊ ወገን፣ ካብ ስልጣን ብምእላይ፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ኣቃሊሐን።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ነቲ ሲቪላዊ ወገን መሰጋገሪ መንግስቲ ብምብታን ኣባላቱ ዝኣስር ዘሎ፣ ስልጣኑ ከረከብ ሒደት ሰሙናት ምስተረፎ’ዩ።

ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሕ ስርዓት በሺር፣ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስተኣልየ፣ በቲ ሓደ ወትሃደርውያን መኮንናት በቲ ካልእ ድማ ወከልቲ ሲቪካውያን ማሕበራት ዝዓበለልዎ፣ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ከም መሰጋገሪ መንግስቲ ቆይሙ።

ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ቀዳሞት 18 ኣዋርሕ ብወትሃደራዊ ጉጅለ ክምራሕ፣ ድሕሪኡ ድማ ስልጣኑ ነቲ ሲቪላዊ ወገን ከረክብ ዝብል’ዩ።

እንተኾነ፣ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር፣ ስልጣን ካብ ወትሃደራዊ ጉጅለ ክርከብ ኣብ ትጽቢት ዝጸንሐ ሲቪላዊ ወገን መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ካብ 25 ጥቅምቲ ኣትሒዙ በቲ ወትሃደራዊ ወገን ተበቲኑ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ንክልቲኦም ወገናት ዝድግፉ ኣሽሓት ሱዳናውያን፣ ኣብ ካርቱም ሰለማዊ ሰልፍታት ከካይዱ’ዮም ጸኒሖም።

ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፣ ነታ ካብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ተነጽሎ ክትወጽእ ጀሚራ ዝነበረት ሱዳን፣ ናብ ድሕሪት ዝመልስ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

መስርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ፣ በቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ እንተተዓናቒፉ፣ ሱዳን ከቢድ ቁጠባዊን ዲፕሎማስያውያን ሳዕቤን ከምዝህልዎ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ኣቐዲመ ኣጠንቂቐን’የን።

ኣብ ከቢድ ቅልውላው እትርከብ ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ንሲቪላዊ ወገን ብምእላይ፣ ዕልዋ ፈጺሙ ኣብ ስልጣን ክቕጽል እንተወሲኑ፣ ነቲ ድሮ ብኵናት፣ ድሕረት፣ ጥሜትን ፖለቲካዊ ሽርሕታትን ተሓሚሱ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ተወሳኺ ብድሆ ክኾኖ’ዩ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ ፖለቲካዊን ወትሃደራውያን ኩነታት፣ ንድሕሪት ተመሊሱ ከምዝርከብ’ዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0