“ሱዳን፣ ኣብ የመን ዘለዋ ሰራዊት ካብ 25 ሽሕ ኣይበዝሕን’ዩ፣” ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ ገሊጹ

Radio Erena: 08 December 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶቕ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ የመን ከምዘለዉ ተኣሚኑ።

ንሱ ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ኣብ የመን ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ካብ 25 ሽሕ ከምዘይበዝሕ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ ሰራዊት ግና ብቐጥታ ኣብ ውግእ ይሳተፍ ከምዘየሎ ሓቢሩ።

ከምዝዝከር ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣልሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ኲናት ዝማረኾም ወተሃደራት ሱዳን ብቴሌቪዥን ብምቅላዕ፣ ህዝቢ ሱዳን ደቁ ኣብ ዘይሃገሮም ህይወቶም ካብ ዘጥፍኡ፣ መንግስቶም ናብ ዓዶም ክመልሶም ጸቕጢ ክገብር ተላብዩ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ኣብ ቃለመጠይቑ፣ ቅልውላው የመን ብሰላማዊ ዘተ ደኣምበር ብኲናት ክፍታሕ ከምዘይክእል ኣመልኪቱ።

እንተኾነ ሰራዊት ሱዳን፣ ካብ ሕጋዊ መንግስቲ የመን ብዝቕረበሎም ጻውዒት ዝኸዱ’ዮም ድሕሪ ምባል፣ ዝተጸዉዑሉ ዕላማ ክሳብ ዝህረም ኣብ የመን ክጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0