ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ተወርዋሪ ሓይሊን ብዝቕጽል ዘሎ ግጭት ብውሕዱ 100 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 17 April 2023

ኣብ ሱዳን፣ ከባቢ ካርቱም፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ተወርዋሪ ሓይሊን ብዝቕጽል ዘሎ ግጭት ብውሕዱ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 600 ድማ ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲን ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ሓይሊን፣ ብሰንበት15 ሚያዝያ ወጋሕታ ኣብ ዝፈለመ ግጭት፣ ህጹጽ ረዲኤት ንዘድልዮም ውጉኣት ንምውጻእን፣ መተሓላለፊ መንገዲ ንምኽፋትን፣ ብሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ ናይ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት መተሓላለፊ መንገዲ ምስተኸፍተ’ዩ፣ ዛጊት ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ብዝሒ ዝንገር ዘሎ።

ማሕበር ሓካይም ሱዳን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ግጭት ካብ ከባቢ ካርቱም ወጻኢ እናስፋሕፍሐ ይኸይድ ብምህላዉ፣ ቁጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብምትኳር ህጹጽ ኣኼባታት ዘካየዱ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን፣ ክልቲኦም ወገናት ቶኽሲ ብምቁራጽ ናብ ዘተ ክምለሱ ጸዊዖም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረዝ’ውን፣ ብ16 ሚያዝያ፣ ምስ ክልቲኦም ጀነራላት ብቴሌፎን ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ኵናት ደው ከብሉ ኣተሓሳሲቡ።

ማሕበር ሃገራት ዓረብን ሓንቲ ካብ ቀንዲ መሻርኽቲ ሱዳን ዝኾነት ስዑዲ ዓረብን’ውን ተመሳሳሊ ጻውዒት’የን ኣቕሪበን።

ክልቲኦም ወገናት፣ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ዓወት ከምዝተጎናጸፈን፣ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከቦ ስትራቴጅያውን ወትሃደራውን ሲቪላውን ማእከላት ከምዝተቖጻጸሩን ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ጀነራል ዑመር ኣል በሺር ኣብ ሚያዝያ ኣብ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምእላዩ፣ ካብ ሰራዊትን ሲቪል ፖለቲካውያን ሓይልታትን ዝተዋጽአ መሰጋገሪ መንግስቲ ቆይሙ እኳ እንተነበረ፣ ጀነራል ኣልቡርሃንን ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን፣ ኣብ ጥቅምቲ 2021፣ ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምብታን፣ ከም መራሕን ምክትልን ኮይኖም፣ ብዕልዋ ስልጣን ብሒቶም ‘ዮም ጸኒሖም።

ሱዳን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምስግጋር ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ መስርሕ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝእዘዝ፣ ሓውሲ ሚሊሻ ዝኾነ ተወርዋሪ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ክጥርነፍ ንዝቐረበ ሓሳባት ብምንጻግ ድማ’ዩ ናብ ኵናት ኣምሪሑ ዘሎ።

ክልቲኦም ጀነራላት፣ ኵናት መን ወለዐ ኣብ ዝብል ሓድሕዶም ይወቓቐሱ ኣለዉ።

ቲ ብነፈርቲን ከበድቲ ብረታትን ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ደው ክብል እንተዘይክኢሉ፣ ሱዳን ናብ ዝበኣሰ ቅልውላው ሓድሕዳዊ ኵናት ክትሽመም ከምእትኽእል ተንተንቲ የጠንቅቑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0