ሱዳን፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ህዝቢ ኣንጻሩ ብዘካየዶ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

Radio Erena: 08 June 2022

ኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን፣ ዓሊ ዓብደላ ኣደሮብ፣ ህዝቢ እቲ ዞባ ኣንጻሩ ብዘካየዶ ተቓውሞ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ተሓቢሩ።

ልፍንቲ ሓያሎ ቀቢላታት ቤጃ፣ ብሰኑይ 06 ሰነ፣ ዝጀመርዎ ምስ ወደብ ፖርት ሱዳን ዘራኽብ ኣውራ መንገዲታት ናይ ምዕጻው ኣድማ፣ ድሕሪ ምእላይ እቲ ኣማሓዳሪ ንግዚኡ ደው ከምዘበልዎ ኣፍሊጦም።

መካይን ኣብ ዝመላለሳሉ ኣውራ ጎደናታት ኮፍ ብምባልን ጎማታት መካይን ብምቕጻልን ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት እቲ ወደብ ከቢድ ክሳራታት ከየስዓበ እንከሎ’ዩ፣ እቲ ኣማሓዳሪ፣ ብሰሉስ 07 ሰነ፣ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ መርበባት ዜና እታ ሃገር ዝገልጻ ዘለዋ።

ብምንቅስቓስ ህዝቢ ቤጃ ዝተመርሐ ተቓውሞ፣ ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም 2020፣ ንምብራቕ ሱዳን ኣይወከለን ብምባል፣ ወደብ ፖርት ሱዳን ብተደጋጋሚ ከም ዝዕጾ ጌሩ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ተቓውሞ፣ ደጋፊ ናይቲ ስምምዕ’ዩ ንዝበሎ ኣማሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካብ ስልጣኑ ክእለ ክጽውዕ ጸኒሑ።

ምስቲ ኣማሓዳሪን ወትሃደራውያን መራሕቲ ሱዳንን ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮ ዝተገልጸ፣ ሓድ ካብ ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ወይ ናዚሪስ ብሄረ ቤጃ፣ መሓመድ ኣልኣሚን ትሪ ‘ውን ምስቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ፣ ብተመሳሳሊ ካብ ዝነበሮ ኣባልነት ከምዝተኣልየ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምብራቕ ሱዳን፣ ካብ ምዕባለን ፖለቲካዊ መስርሕን እታ ሃገር ከምዝተነጸለ ዝወቕስ፣ ብልፍንቲ ሓያሎ ቀቢላታት ዝቖመ ምንቅስቓስ ብሄረ ቤጃ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ኣብ ጁባ ኣብ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ከምዘይተወከለ የመልክቱ።

እቲ ናይ ጁባ ስምምዕ ሰላም ክስረዝን፣ ንኹሉም ወገናት ሱዳን ዝሓቝፍን ኣሳታፍን ዝኾነ ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ክኽተምን ብምጽዋዕ፣ ካብ ካብ 17 መስከረም 2021 ክሳብ 30 ሕዳር 2021 ወደብ ፖርት ሱዳን ናይ ምዕጻው ህዝባዊ ኣድማ ምውዳቡ ኣይርሳዕን።

እቲ ልፍንቲ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ዝጀመሮ ተመሳሳሊ ኣድማ’ውን ድሕሪ ምእላይ ኣምሓዳሪ ዞባ፣ ንግዚኡ ደው ከምዘበሎ እኳ እንተረጋገጸ፣ ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ሰላም ብዝምልከት ኣቕሪብዎ ዘሎ ጠለባት፣ ምሉእ ብምሉእ ብመንግስቲ እንተተነጺጉ፣ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0