ሱዳን፣ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተታሕዙ 7 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 10 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይስጎጕ ጻዕርታት ይቅጽል

Radio Erena: 16 January 2020

 

ካብ ሱዳን ናብ ግብጺ ክሰግሩ ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝተታሕዙ፣ 7 ደቂንስትዮን 3 ደቂተባዕትዮ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባ፣ ናብ ኤርትራ ከይጥረዙ ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ።

እቶም ካብ 18 ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድሚኦምን ኤርትራውያን፣ ናብ ግብጺ ንምስጋር ኣብ ዝፈተንሉ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ዓጥበራ ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ድሕሪ ምትሓኦም ናብ ካርቱም ተሰጋጊሮም ኣብ ማእሰርቲ’ዮም ጸኒሖም።

ቤት ፍርዲ ሱዳን ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝኣተዉ ዝገለጾም ኤርትራይውን ናብ ዓዶም ክምለሱ እኳ እንተወሰነ፣ ንሳቶም ግና ብመንገዲ ጠበቓኦም ኣቢሎም ዑቕባ ክሃቱ ከምዝደልዩ ስለዝገለጹ፣ ኣብ ካንዲ ናብ ኤርትራ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ክሰጋገሩ ተስፋ ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ካብ ካርቱም ኣሚቶም።

እቶም ኤርትራውያን፣ ሰሚራ መሓመድ ኼር፣ ጀምዒያ ሙሳ፣ ካድራ ሙሳ፣ ሳዕድያ ዑመር፣ ሓሊማ ዑመር፣ ሰዓዳ ሓሰን፣ ዛህራ ኢብራሂም፣ ኣሕመድ ኢብራሂም፣ ጀማል መሓመድን ኣማን ኤልያስን ከምዝበሃሉ እቶም ምንጭታት ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ጠቒሶም።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0