ሱዳን፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ኣስታት 600% ወሰኽ ደሞዝ ተጌሩሎም

Radio Erena: 20 April 2020

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሱዳን፣ ብሮቡዕ 15 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ናይ ኣስታት 600% ወሰኽ ደሞዝ ከምዝተገብረሎም ኣፍሊጡ።

እዚ ማለት ኣስታት 400 ፓውንድ ሱዳን ዘሎ ዝተሓተ ደሞዝ ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ኣስታት 3 ሽሕ ፓውንድ ሱዳን ክድይብ’ዩ።

እዚ ካብ ወሰኽ ደሞዝ ካብዚ ወርሒ ዝጅምር ኮይኑ፣ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክኽፈሎም’ዩ።

እዚ መንግስቲ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ዘሎ፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ብዕብየቱ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ወሰኽ ደሞዝ፣ ኣብ ንግዲን መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራን ምዝንባዕ ፈጡሩ፣ ነታ ሃገር ናብ ዝቕባበ ከይትሽመም ተንተንቲ ቁጠባ ስግኣቶም ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ካብ 55 ክሳብ 60 ፓውንድ ሱዳን’ዩ ዝሽረፍ ዘሎ።

ሱዳን፣ ኣብ 30 ዓመታት ዘመነ ስርዓት በሺር፣ ቁጠባ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ፣ ኣብ ከቢድ ዝቕባበ ተሸሚማ’ያ ጸኒሓ።

ስርዓት በሺር፣ ዝቕባበ ንምውጋድን ቁጠባ ንምትዕርራይን፣ ድጎማ ድሕሪ ምልዓሉ ዋጋታት ባኒ ዝርከቦ መሰረታዊ ነገራት ስለዝንሃረ ኣብታ ሃገር ተቓውሞን ናዕቢን ኣልዓዒሉ ብሰንኪ ድማ እቲ መራሒ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምእላው ስርዓት በሺር፣ ቁጠባ ሱዳን ገና ካብቲ ወዲቕዎ ዘሎ ደረጃ ክትንስእ ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

ስእሊ፣- ሰነዳት ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0