ሱዳን፣ ሓድሽ ቅዋም ክትነድፍ’ያ

ሱዳን፣ ሓድሽ ቅዋም ክትነድፍ’ያ

Radio Erena: 15 April 2018

sudanese consመንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ መወዳእታ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፣ ሓድሽ ቅዋም ንምንዳፍ ዝምዘዝ ኮሚቴ ከቕውም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ዜና ሱዳን ኣሕመድ ቢላል ዑስማን ብዓርቢ 13 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ሓድሽ ቅዋም ንምንዳፍ ዝምዘዝ ኮሚቴ ኣብ ቀዳማይ ኣኼብኡ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክራኸብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራትን፣ ዘተ ሰላም ምስ ተቓወምቲ ዳርፉርን፣ ነቲ ሰላም ንምምጻእን ቅዋማዊ ምምሕዳር ንምስፋንን ዝግበር ጻዕሪ ሓጋዚ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2016 መንግስቲ ሱዳን ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝገበሮ ስምምዕ፣ ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም ብናጻ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝብል ይርከቦ።

መንግስቲ ሱዳን ዝጸወዖ ዘተ ንሃገራዊ ዕርቂ፣ ተቓወምቲ ውድባት፣ እቲ መንግስቲ ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝኸውን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝርከቦም ሓያሎ ጠለባት ኣየማለአን ብምባል ኣብቲ ዘተ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም’ዮም።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0