ሱዳንን ግብጽን ዛሕቲሉ ዘሎ ዝምድንአን ንምሕያል ሓድሽ ተበግሶታት ንምውሳድ ይዝትያ

ሱዳንን ግብጽን ዛሕቲሉ ዘሎ ዝምድንአን ንምሕያል ሓድሽ ተበግሶታት ንምውሳድ ይዝትያ

Radio Erena: 31 May 2018

egypt and sudanese fmሱዳንን ግብጽን እናተዳኸመ ክመጽእ ንዝጸንሐ ዝምድንአን ንምሕያል ሓድሽ ተበግሶታት ንምውሳድ ዘትየን።

እዚ ዝተዘተየሉ፣ ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣ-ደርዲሪ መሓመድ ኣሕመድ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናብ ስልጣን ካብ ዝምዘዝ፣ ኣብ ናይ መጀመርያ ዑደቱ ናብ ካይሮ ብምምራሕ፣ ትማሊ 30 ግንቦት ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲን ግብጻዊ መዘንኡ ሳመሕ ሹክሪን ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ነቲ ሱዳናዊ ሚኒስተር ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ ዝምድና ሃገሩ ምስ ሱዳን ናብ ዝበረኸ ደረጅኡ ንምዕባዩ ሓድሽ ተበግሶ ከምዝወስድን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ካርቱም ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ሰፋሕቲ ምይይጣት ከካይድ ምዃኑን ገሊጹ።

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ርእሲ’ቲ ከሰሓሕበን ዝጸንሐ ጉዳያት ኣጠቓቕማ ናይልን ዋንነት ዞባ ሓላይብን፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈጥረ ኩነታትን ዝወሰድኦ መርገጺታትን’ውን መሊሱ ከተፋንነን’ዩ ጸኒሑ።

ብፍላይ ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ካርቱምን ንግስነት ቀጠር ንወደብ ስዋኪን ናይ ሱዳን ዳግም ንምህናጹ ዝተኸተመ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ውዕልን፣ ምትፍናን ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጥርዙ’ዩ በጺሑ ኔሩ።

ሱዳን፣ ግብጻውያን ብዘይቪዛ ንኽኣትዉ ዘፍቅድ ሕጊ ብምቕያር ካብ ግብጺ እትሽምቶ ነገራት ደው ከተብል እንከላ፣ ኣብ ካይሮ ዝነበረ ኣምባሳደራ ንግዜኡ ስሒባ ምንባራ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ሱዳን፣ ግብጺ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምውጋን ተጻብኦታት ክትፈጥር ትኽእል’ያ ብዝብል ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ብምዕጻው ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሰራዊት ኣዋፊራትሉ ትርከብ።

ግብጺ ብወገና፣ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ሓያሎ ወትሃደራውን ጸጥታን ስምምዓት ብምኽታማ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዘሰሓሕብ ዘሎ ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም፣ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኢትዮጵያ ከይትውግን’ያ ትሻቐል።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0