ሱዳንን ግብጽን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት ንምምኽኻር፣ ኣኼባ ሚኒስተራት ኣካይደን

Radio Erena:10 June 2021

ሱዳንን ግብጽን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት ንምምኽኻር ዝዓለመ ኣኼባ ሚኒስተራት ኣካይደን።

እቲ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን፣ ሃብቲ ማይን ሕርሻን ተመሪሑ፣ ብረቡዕ 9 ሰነ ኣብ ካርቱም ዝተጋብአ ዋዕላ፣ ብቀንዱ ኣብቲ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዘላ በይናዊ ምምላእ ዲጋ ተሃድሶን ዝህልዎ ጽልዋን ዘተኮረ’ዩ ተባሂሉ።

ሚኒስተራት ግብጺ ብዘይካ’ቲ ምስ ሱዳናውያን መዛንኦም ዘካየድዎ ምምኽኻር፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብን ዘለዎ ሓፈሻዊ ኩነታትን ብዝምልከት ካብ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን መብርሂ ከምዝተዋህቦም ምንጭታት ዜና ግብጺ ጠቒሰን።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሳምሕ ሹክርን ሚኒስተር ሃብቲ ማይን ሕርሻን፣ መሓመድ ዓድልን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶክ ብምርኻብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ጀሚረንኦ ዘለዋ ምትሕግጋዝ ዝዓብየሉ መንገድታት ተመያይጡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ ናብ ሱዳን ብምብጻሕ ምምኽኻር ዘካይድ ዘሎ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ፣ ካልኣይ እብረ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ ከተካይድ ምድላዋት ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0