ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ስልጣን ንምስግጋር ዝፈጸሞ ስርሒት ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ

ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ስልጣን ንምስግጋር ዝፈጸሞ ስርሒት ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 19 December 2017

Zimbabwe final

ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ፕረዚደንት ነበረ ሮበርት ሙጋበ ንምእላይ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዝፈጸሞ ምትእትታው ከምዝዛዘመ ትማሊ ሰኑይ 18 ታሕሳስ፣ ብመንገዲ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ፊሊፕ ቫሌሮ ሲባንዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ንሙጋበ ካብ ስልጣን ንምእላይ፣ “ስርሒት ምምላስ ክብሪ ዚምባብዌ” ዝተሰምየ ወትሃደራዊ ወፍሪ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ብምጥቃስ፣ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን ንኩነታት ሃገሮም ብዕቱብ ክከታተሉ ተላብዩ።

ሰራዊት፣ ጸጥታን ሰላምን ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ምውሕሳ ግዴታ ከምዘለዎ ብምምልካት ከኣ፣ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምትግባር ወትሩ ድሉው ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ሰራዊት ዚምባቤ፣ ንሃገሩ ካብ ናይ 10ታት ዓመታት ምልኪን ውድቀትን ብዘይ ምፍሳስ ደም ንምድሓና፣ ዝተጻወቶ ውሕሉል ኣበርክቶ፣ ኣብ ታሪኽ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣብነት ከምዝጥቀስ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

ን37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሮበርት ሙጋበ፣ ብሰራዊት እታ ሃገር ድሕሪ ምእላዩ፣ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ምርቻ ክሳብ ዝካየድ፣ ካብ ስልጣን ተሰጕጉ ኣብ ስደት ዝነበረ ምልትል ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ዚማብብዌ ኮይኑ ቃለ መሓላ ምፍጻሙ ይዝከር።

እንተኾነ፣ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ዝረቑሖም ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት፣ ኣብ እዋን ሙጋበ ዘገልገሉን ኣባላት ሓንቲ ሰልፊን ጥራይ ብምዃኖም፣ ነታ ሃገር ዝፍውሱ ጽገናዊ ለውጥታት ክርኣዩ ትጽቢት ከምዘየሎ ሓያሎ ወገናት ካብታ ሃገር ይሰማምዑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0