ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝጨወዮም ስደተኛታት ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 November 2021

ኵናት ትግራይ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ናብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝኣተወ ሰራዊት ኤርትራ፣ ንኣስታት 9 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝወሰደ ፍሉይ ጸብጻብ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ን10ታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምዝርራብ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታ፣ ካብቶም ብክፍለ ሰራዊት 35 ተጨውይዮም፣ ብዓበይቲ መካይን ዝተወስዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ዛጊት ስድራቤታቶም ሃለቶም ናይ ዘይፈለጡ 17 ሰባት ስም ዝርዝር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ኤርትራ ብ19 ሕዳር 2020 ናብተን ክልተ መዓስከራት ብምእታው፣ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፣ ስደተኛታት መመሪጾም ከምዝኣሰሩ ዘገንዘበ አቲ ጸብጻብ፣ ኩነታት እቲ ውግእ ኣስጊእዎምን ናብራ መዓስከር መሪርዎምን ብወለንትኦም ዝተመልሱ ከምዘለዉ’ውን ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ፍጻሜ፣ ኣሽሓት ስደተኛታት ተበታቲኖም ከምዝሃደሙን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ነቲ መዓስከራት ከምዘቃጸሎን ‘ዩ ተሓቢሩ።

ነቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ናይ ምእሳርን ምምላስን ስርሒት ዝመርሐ፣ ብወዲ ቅጫ ዝፍለጥ፣ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 35፣ ኮለነል ብርሃነ ተስፋማርያም ምዃኑ ጸብጻብ ሮይተርስ ጠቒሱ።

ኵናት ትግራይ ኣብ ዝተወልዑ እዋን፣ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝነበራ ኣርባዕተ መዓስከራት ዝተዓቝቡ ኣስታት 90 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት ሰራዊት ኤርትራን ምሊሻታት ትግራይን ከምዝኾኑ’ዩ ተገሊጹ።

ዛጊት ሃለዋት ናይ ልዕሊ 7 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒ ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኮይኖም፣ ብጥሜትን ስእነት መሰረታዊ መግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ።

ስእሊ፣- መዓስከር ሕጻጽ ቅድሚ ምዕናዉ (ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0