ሰራዊት ሶማል ንካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ ኣንጻር ኣል ሸባብ ድሉው ክኸውን ፕረዚደንት ሓሰን ጸዊዑ

Radio Erena: 29 March 2023

ሰራዊት ሶማል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ንዝካየድ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ ድሉው ክኸውን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ጸዊዑ።

እቲ ካብ ኣልሸባብ ሓራ ኣብ ዝኾነ ካቢታት ዞባ ሒራን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ ካልኣይ እብረ መጥቃዕቲ ንምክያድ ምድላዋት ከምዘሎ ዘፍለጠ።

መርበብ ዜና ሸቤሌ ብዘቕረቦ መሰረት፣ ኣዘዝቲ ናይቲ ንመንግስቲ ሶማል ብምድጋፍ ኣንጻር ኣልሸባብ መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎ ዝግለጽ ሰራዊት ኢትዮጵያ’ውን ናብቲ ዞባ ብምብጻሕ ምስ ሶማላውያን መዘናታቶም ተመያይጦም።

ሶማል ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ዞባውን ኣህጉራውን መሻርኽቲ ብምትሕብባር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ሓያሎ መጥቃዕቲት ኣብ ምክያድ’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ ድማ ተበታቲኖም ንዘለዉ ሓይልታት እቲ ጉጅለ ንምቕራምን ኣብ ትሕቲኡ ንዝነበረ ከባቢታት ናይ ምጽራይን መስርሕ ዘጠቓለለ ምዃኑ ይንገር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማል ኣብ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 43 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ምስ መንግስቲ ኪዳን መስሪታ ዘላ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ኣባላት እቲ ሽበራዊ ጉጅለ’ዮም ዝበለቶም 10 ሰባት፣ ብ26 መጋቢት ረሺናቶም።

እታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ኣብ መጀመርያ እዚ ወርሒ፣ውን፣ 13 ሰባት ብተመሳሳሊ ክሲ ብሞት ከምዝቐጽዐት ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ኣመልኪቱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0