ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝተላእከ ረዲኤት ይኽልክልን ይዘምትን ኣሎ ክብል AFP ገሊጹ

Radio Erena: 29 April 2021

ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝተላእከ ረዲኤት ይኽልክልን ይዘምትን ኣሎ ክብል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ-AFP ገሊጹ።

AFP፣ ንሰነዳት መንግስቲ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ሰራዊት ኤርትራ ብዝወስዶ ዘሎ ረዲኤት ናይ ምኽልካልን ምዝማትን ተግባራት፣ ህዝቢ ብጥሜትን ዓጸቦን ክረግፍ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ብ23 ሚያዝያ፣ ኣብ ሳምረን ጊጀትን ንዝርከባ ትካላት ረዲኤት ክወጻ ዘገደደ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ካልእ ከባቢታት ትግራይ’ውን ተመሳሳሊ ፍጻሜታት ተሰኒዱ ከምዘሎ እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

‘ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፣ መንገዲ ኣይዓጸወ ረዲኤት ኣይዘመተ’ ክብል ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፣ ነቲ ማዕከን ዜና ብኢመይል መልሲ ሂቡ።

ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ክወጽእ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ተደጋጋሚ ጻውዒታት የካይዱ እኳ እንተለዉ፣ እቲ ሰራዊት ክሳብ 200 ኪሎሜተር ንውሽጢ ትግራይ ብምእታው፣ ቀንዲ መስመራት ትግራይን ኣገደስቲ ቦታታትን ተቖጻጺሩ ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይሕብሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክስሕብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሰማሚዕና ክብል እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና ካብዚ ዝተፈልየ ምዃኑ ብወገን ኢትዮጵያውያን ይኩን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ብተደጋጋሚ ይግለጽ።

ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሉኣላዊት ሃገር ኣትዩ፣ ንሓደ ክልል ምሉእ፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተቖጻጺሩ ክነሱ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ስቕታ ምምራጹ፣ ካብ ኢትዮጵያን ምሁራት፣ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ተቓውሞታት ይዘንቦ ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    እታ ሃገር ሰብ የብላን ትርሓ ተሪፋ ዘይረብሑ ወተሃደራት እዮም ዘለዉዋ ትብሉ ዶ ኣይነበርኩምን ሕጂ ከመይ ረክብኩሞም