ሰለስተ ላዕለዎት ተጸዋዕቲ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ደርቂ ንምምካት ሓገዝ ተማሕጺኖም

ሰለስተ ላዕለዎት ተጸዋዕቲ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ደርቂ ንምምካት ሓገዝ ተማሕጺኖም

Radio Erena: 10 September 2017

eth_droughtኣብ ኢትዮጵያ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዋሕዲ መግቢ ንምምካት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ወፈያኡ ከዕዝዝ ሰለስተ ላዕለዎት ተጸዋዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኖም።

ሺንሁዋ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ ዳይረክተራት ዓለማዊ ውድብ መግቢ (WFP)፣ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO)፣ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ውድብ ሕርሻዊ ምዕባለ (IFAD) ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ደርቂ፣ ዝያዳ ጉድኣት ከየውረደ እንከሎ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ኣቓልቦ ክገብረሉ ጸዊዖም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሺንሁዋ፣ እቶም ላዕለዎት ወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዕለታ 1 ክሳብ 4 መስከረም ኣብ ዞባታት ትግራይን ሶማሊን ድሕሪ ዘካየድዎ ዑደት እዮም ነዚ ምሕጽንታ’ዚ ኣቕሪቦም ዘለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2017 ብዝሓንጸጾ መደብ፣ ነቲ ከባቢ 8.5 ሚልዮን ህዝቢ ጸልዩ ዘሎ ደርቂ ንምምካት ናይ 948 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከምዘድሊ እዩ ኣፍሊጡ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0