ሬድዮ ኤረና ንፍሉይ ሽልማት ሜድያ ሓንቲ ዓለም ተረቑሓ

ሬድዮ ኤረና ንፍሉይ ሽልማት ሜድያ ሓንቲ ዓለም ተረቑሓ

Radio Erena: 02 June 2017

erena

ሬድዮ ኤረና፣ ንፍሉይ ሽልማት ሜድያ ሓንቲ ዓለም (One World Media, special award 2017) ተረቁሓ።

እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ፣ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽን ሞያ ጋዜጠኝነትን ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ዓመታዊ ሽልማት ዝዕድል ትካል One World Media ብሮቡዕ 31 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ ውግዓዊ መግለጺ፣ ‘ኑባ ሪፖርትስ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሱዳንን ‘ኣንቲኮሩፕቲ’ ዝተሰምየ ናይ ማልዶቭያ ሜድያን ምስ ሬድዮ ኤረና ብሓባር ነዚ ናይ 2017 ፍሉይ ሽልማት ረቑሑወን ኣሎ።

ተዓዋቲት ፍሉይ ሽልማት ሜድያ ሓንቲ ዓለም፣ ሰሉስ 6 ሰነ ኣብ ለንደን፣ ኣብ ዝካየድ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ክትፍለጥ’ያ።

ሜድያ ሓንቲ ዓለም፣ ኣብ ካልእ ዓውድታት ሜድያ’ውን ካብ ሮይተርስ፣ ኣልጀዚራ፣ ፎክስ ኒውስ፣ ቢቢሲ፣ ብሉምበርግን ካልኦት ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለምናን ንዝተፈላለየ ሽልማታት ረቑሑ ኣሎ።

One World Media፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት መራኸቢ ሓፋሽ፣ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ጋዜጠኛታትን ማዕከናት ዜና ዓለምን ንኣስታት 30 ዓመታት፣ ክብርን ሽልማትን ክህብ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ትካል’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0