ሩስያ፣ ብማህደረ ትምህርቲ ክትቅበሎም ዝጸንሐት ብዝሒ ኤርትራውያን ተማሃሮ ከተዛይድ’ያ

Radio Erena: 07 October 2019

ሩስያ፣ ብማህደረ ትምህርቲ ክትቅበሎም ዝጸንሐት ብዝሒ ኤርትራውያን ተማሃሮ ከተዛይዶ ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ካብ 23 ክሳብ 24 ጥቅምቲ፣ ኣብ ከተማ ሶቺ፣ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃ ንምክያድ ምድዋላት ኣብ ዝጻፈፈሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ዋዕላ፣ ኣብ መድረኽ ቁጠባ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን ዘተኮረ እኳ እንተኾነ፣ ሩስያ፣ ኤርትራ ምስ እትርከበን 10 ሃገራት፣ ኣቐዲማ ብዝበጽሓቶ ምርድዳእ፣ ንተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ፣ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ከተሰፍሕ ዘተባብዕ’ዩ።

ሩስያ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ክትህብ እኳ እንተጸንሐት፣ ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ብዝኽተም ዝተፈላለየ ተወሳኺ ውዕላት፣ እቲ ብዝሒ ካብ ዝነበሮ ክዛይድ’ዩ።

ዝበዝሐ እቲ ናይ ማህደረት ትምህርቲ ዕድላት ኣብ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሊጂን ዘተኮረ ምዃኑ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ዋዕላ ይገልጹ።

እዚ ዝመጽእ ቅንያት ዝካየድ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ኣብ ታሪኽ ዝምድና እዛ ሃገርን ኣፍሪቃን ብዓይነቱ ዝተፈልየን ዝሰፍሐን ክኸውን ትጽቢት ይንበረሉ።

ሩስያ፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቁጠባ፣ ባህልን ትምህርትን ዝጸንሓ ምትእስሳር ከተዕቢ ምምዳባ፣ ነቲ ብቻይናን ሃገራት ምዕራብን ኣብዛ ኣህጉር ዝካየድ ዘሎ ምሽማው ንምጽንባሩ ዝዓለመ’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።

ሩስያ፣ ምስ ሱዳን፣ ግብጺን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ወትሃደራውን ፖለቲካውን ምድግጋፍ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0