ምክትል ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ጂቡቲ ናብ እትርከን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ተካይድ ኣላ

Radio Erena: 14 June 2022

ብምክትል ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ፣ ቮክቶርያ ኑላንድ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ናብ ጂቡቲ፣ ሞዛምቢክን ናይጀርያን ዑደት የካይድ ኣሎ።

እታ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን፣ ኣብቲ ካብ 11 ክሳብ 17 ሰነ ተካይዶ ዘላ ዑደት፣ ኣብ ጸጥታ፣ ፖለቲካዊ ኩነታትን ካልእ ኣርእስታትን ብምትኳር፣ ምስ ሰበ ስልጣን እተን ሃገራትን ወከልቲ ሲቪካውያን ማሕበራትን ክትመያየጥ ምዃና ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ምስ ጂቡቲ፣ ኣብ ምድንፋዕ ዝምድናን ኣብ ጸጥታን ዘተኮረ ምትሕግጋዝን ክትዝቲ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ሰራዊት ኣዋፊራትላ ዘላ ሃገር ጂቡቲ’ያ።

ኣስታት 4500 ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ ካብ ዝርከብ መዓስከር ለሞንያ እናወፈረ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ተልእኾታት ከምዝፍጽም ይንገረሉ።

እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ’ውን፣ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ሽቱትጋርት፣ ዝርከብ ኮይኑ፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ናይ ስርሒትን ወፍርን ማእከላት ከምዘለዎ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0