ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ብወለንትኡ ካብ ስልጣን ሰልፊ ብልጽግና ተኣልዩ

Radio Erena: Friday, 26 January 2024

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ብልጽግና ካብ ብወለንትኡ ስልጣኑ ከም ዝተኣልየ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ብሓላፊ ትካል ስለያ እታ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ከምዝቕየር ድማ ሰልፊ ብልጽግና ሓቢሩ።

ኣቶ ደመቀ ካብ መሪሕነት እቲ ሰልፊ ምስንባቱ፡ ኣብ መንግስቲ እታ ሃገር ሒዝዎ ካብ ዝርከብ መዝነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ክወርድ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ይገልጹ።

ንኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ብምትካእ ድርብ ስልጣን ሒዙ ከገልግል ዝጸንሐ ኣቶ ደመቀ ንነዊሕ ዓመታት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝጸንሐ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0