ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ሕጂ’ውን ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ

Radio Erena: 05 April 2020

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንወርሒ ነሓሰ ክካየድ ኣናዊሑዎ ዝጸንሐ ሓፈሻዊ ምርጫ’ታ ሃገር፣ ሕጂ’ውን ናብ ካልእ ግዜ ከምዘሰጋገሮ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እኹል ምድላዋት ክግበር ስለዘይተኻእለ፣ እቲ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት መግለጺ’ቲ ኮሚሽን፣ ስግኣት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዝተወገደሉ እዋን፣ መዓልቲ ምርጫ ከፍልጥ ከምዝኾነ ይሕብር።
ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ በይኑ፣ መዓልቲ ምርጫ ከናውሕን ክውስንን ኣይክእልን’ዩ ብምባል፣ ኣብቲ ውሳኔ ብዘይምጽምባሮም ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ እዋን ኣትሒዙ፣ እቲ እንዳተሰጋገረ ዝኸይድ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ክካየድ’ዩ ክብል’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።
ኢትዮጵያ ማእከል ቤት ጽሕፈታት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ምዃና፣ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ከቢድ ብድሆ ይጽበያ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0