ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ሶማል ዝሰሓቦ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ባይደን ክመእልሶ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 18 June 2021

ምምሕዳር ባይደን፡ ወትሃደራት ኣመሪካ ዳግማይ ናብ ሶማል ንምልኣኽ መደባት የጻፍፍ ከምዘሎ ኒውዮርክ ታይምስ ገሊጻ።

እቲ ምምሕዳር፡ ናብ ሶማል ሰራዊት ክልእኽ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ መንፈቐ ድሕሪ’ቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኣስታት 700 ወትሃደራት ብህጹጽ ክስሓቡ ምውሳኑ’ዩ።

ዳግማይ ናብ ሶማል ዝልኣኹ ብዝሒ ወትሃደራት ኣመሪካ፣ ክንደይ ምዃኖም እኳ እንተዘይተነጸረ፣ 10ታት ክብል’ዩ ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ ጠቒሱ።

ኣብ ስልጠና፣ ስለያን ፍሉይ ስርሒታትን ክዋፈሩ ምዃኖም ዝተገልጹ ወትሃደራት ኣመሪካ፣ ናብ ሶማል ዝኣትውሉ ዕለት’ውን ኣይተመልከተን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0