ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፣ ድሕሪ ምእላይ ኣል በሺር ንመጀመርያ እዋን ናብ ሱዳን በጺሑ

Radio Erena: 11 December 2020

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈይሰል ቢን ፋርሃን ኣል ስዑድ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተር፣ ብ8 ታሕሳስ ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ጽዑቕ ምይይጥ ኣካይዱ።

ካብቲ ዘካየዶ ምይይጥ፣ ምስ ሱዳን ተጀሚሩ ዝነበረ ስምምዓት፣ ጸጥታዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ከምኡ ድማ ጉዳያት ዞባ ወሽመጥ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ድሕሪ ምእላይ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ዝህሉ ሓድሽ ፖሊሲ ዝምድናታትን ምምስራት ዝምድና ምስ እስራኤልን ዝብሉ ነጥብታት’ውን ካብ ዝተላዕሉ ነጥብታት ምዃኖም ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ሱዳን ክበጽሕ፣ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር፣ እዚ ንፈለማ እዋን’ዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0