ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ናይ ተተኮስቲ ፈኮስቲ ብረት ፍርያት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 26 February 2023

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ናይ ተተኮስቲ ፈኮስቲ ብረት ፍርያት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣቐድም ኣቢሉ፣ ምስ ሓደ ትካል መፍረ ኣጽዋር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መዘክር ፈሪሙ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ጣዋዙን ዝተባህለ ትካል፣ ውዕሉ ስለዝሰረዘ፣ ነቲ ናይ መፍረ ትካል ንምምስራት ብውሽጣዊ ሓይሊ ክኸውን ምውሳኑ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2018 ምስ ሰበስልጣን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ምድልዳል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝብል ሓደ ካብ ስምምዓቶም ከምዝነበረ ይዝከር።

እዚ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ‘ጋፋት’ ምስ ዝተባህለ ናይ ውሽጢ ሃገር መፍረ ትካል ብምትሕብባር፣ ተተኮስቲ ፈኮስቲ ብረትን መቀያየሪ ኣቑሑትን ንምፍራይ ምውሳኑ፣ ኣፍሊጡ’ሎ።

በዚ መሰረት፣ ናይቲ ፋብሪካ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ገምጋም ብምግባር፣ ተወሰኽቲ ማሺነሪታት ዘድልዩሉ ክፍሊ ከኣ ድሮ ካብ ወጻኢ ሃገራት ተጠሊቦም ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ሮኬት ንምምስራሕ ዘኽእሉ መጽናዕታት ከኣ ተወዲኦም ከምዘለዉ፣ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ልዕሊ 69 ሽሕ ወተሃደራት ከምዘሰልጠነ ዝገልጽ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ዝተፈላለዩ ፈኮስቲ ተኮስትን ተተኮስትን ብረት ከፍርይ እንከሎ፣ 246 ሚልዮን ከኣ ማእከላይን ከበድትን ተተኮስቲ ኣጽዋር ከምዘፍረየ ይገልጽ።

ብውሽጣዊ ቅልውላው ብሄር፣ ሃይማኖት፣ ውግእ ሓድሕድ እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ንሰደድ ካብ እትልእኮም ኣጽዋራት፣ ክሳብ መፋርቕ 2022 ጥራይ፣ ልዕሊ 2.3 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበት፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል’ታ ሃገር ይገልጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    I hear that news 
    It’s great  I like it