ኤርትራ: ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ኣመልኪቱ ንዘቕረቦ ናይ ውሳነ ሓሳብ ተቓዊማ

Radio Erena: 26 February 2023

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ኣመልኪቱ ንዘቕረቦ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኤርትራ ተቓዊማቶ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ 23 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝቐረበ ሓሳብ፡ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዘካየደቶ ወራር ንምኹናን እዩ ኔሩ።በዚ ድማ ሃገራት፡ ግጭት ዩክሬይን ክቐውምን ወተሃደራት ሩስያ ካብ ዩክሬይን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክወጹን ድምጸን ከስምዓ ተሓቲተን።

ነቲ ውሳነ 141 ሃገራት ክድግፍኦ እንከለዋ፡ 32 ሃገራት ድምጸ ተዓቅቦ ጌረን።

ካብ ብሙልአን ሃገራት ዓለም ነቲ ውሳነ ዝተቓወማ 2ተ ሃገራት ጥራይ ክኾና እንከለዋ፡ ኤርትራ ኣብዚ ተርታ ተመዲባ ምስ ሶርያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ማሊ፡ ኒኮራጓ፡ ቤላሩስን ሩስያን ብምዃን እያ፡ ንምዝዛም እቲ ግጭት ተቓውሞኣ ገሊጻ።

እዚ ዝቐረበ ናይ ውሳነ ሓሳብ፡ ሕጋዊ ቀያድነት እኳ እንተዘይብሉ፡ ዓብዩ ፖለቲካዊ ትርጉም ዝወሃቦ ምዃኑ ግን ዝተፈላለዩ ተንተንቲ የረድኡ።
ኤርትራ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እውን፡ ምስ ሰሜን ኮርያ፡ ሩስያ፡ ሶርያን ቤላሩስን ብምዃን፡ ንሩስያ ጎረቤታ ካብ ምውራር ንኽትቁጠብ ዝጸውዐ እማመ ኣይፋል ኣድሚጻትሉ ኔራ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0