ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን መራሒ ተቓዋሚን ኣጠንቂቑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን መራሒ ተቓዋሚን ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 06 May 2015

kirjoma

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኬሪ፣ ንፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን መራሒ ተቓዋሚ ሬክ ማሻርን ኣጠንቁቑ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን መራሒ ተቓወምትን፣ ነታ ሃገር ኣብ ኵናት ሓድሕድ ሸሚሞም ከይኣከል፣ በቲ ገበን ዝንኽተቱ ዝምርምር 5 ሚልዮን ዶላር ባጀት ዝተሰልዑ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክቀውም ዝብል ሓሳብ ምቕራቦም፣ ‘ውርደተኛታት’ዮም’ ( disgraceful) ክብል ከምዝዘለፎም’ውን ኣሶሸትድ ፕረስ ካብ ከተማ ናይሮቢ ሓቢሩ።

 

ጆን ኬሪ ብተወሳኺ፣ ክልትኤም ወገናት ሱዳን ምእንቲ እታ ዓንያ ዘላ ሃገሮም ክብሉ ሕድገታት እናገበሩ ናብ ስምምዕ ክበጽሑ ድማ ተላብዩ።

መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ነቲ ዓመቱ ኣሕሊፉ ዘሎ ግጭት ብመንጎኝነት ኢጋድን ካልኦት ኣካላትን ንምፍትሑ ዝገበርዎ ጻዕሪ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክዕወት ከምዘይክኣለ ይፍለጥ።

ሓደ ካብቶም ንመንግስቲ ወኪሉ ኣብ ዘተ ሰላም እታ ሃገር ዝሳተፍ ዘሎ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኒያል ደንግ ኒያል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ ዛጊት መዕለቢ ኣብ ዘይረኸበ ጉዳይ ሃገሩ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዘራሪቡ’ዩ።

ኣብቲ ዝርርብ ድማ ኩሎም ናይ ግዳም ወገናት ካብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኢዶም ክስሕቡን ደቡብ ሱዳናውያን ባዕላቶም ሽግሮምን ክፈትሑን ዝብል መርገጺን ማዕዳን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዋህቦ’ውን እቲ ደቡብ ሱዳናዊ ተዛታዩ ምሕባሩ ማዕከናት ዜና ምጥቃስ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ተቓወምትን ብሰኑይ 4 ግንቦት ኣብ ዞባ ዩኒቲ ብዝተኻየደ ግጭት ካብ ክልቲኡ ወገን ኣስታት 100 ሰባት ከምዝቀትሉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ካልእ ወገን ድማ፣ ሓደ ሰራሕተኛ ኤምባሲ መንግስቲ ሱዳን ካብ ሰኑይ 4 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ጁባ ደሃዩ ጠፊኡ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ካብ ካርቱም ኣፍሊጡ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0