ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሩስያን ሕ/ ኢማራት ዓረብን ናብ ኢትዮጵያ ከምርሑ’ዮም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሩስያን ሕ/ ኢማራት ዓረብን ናብ ኢትዮጵያ ከምርሑ’ዮም

Radio Erena: 05 March 2018

FMs

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሩስያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብዚ ቅንያት እዚ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሑ ምዃኖም ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ይገልጻ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሬክስ ቲለርስን ኣብዚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘካይዶ ዑደት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ እታ ሃገር ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት እታ ሃገር፣ መስርሕ ደሞክራሲን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ክዝቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ፣ ንታሪኻዊ ዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምግምጋም፣ ኣብ መጻእ ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ተወሳኺ ምትሕግጋዝ ክዘራረብ ትጽቢት ተጌሩ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ ምዃኑ ዝተገልጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ንዝጸንሐ ወትህደራውያን ዲፕሎማስያውያን ምትሕግጋዛት ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ዶከትር ወርቅነ ገበየሁ ክዘራረብ’ዩ።

 

ሚኒስተር ላቭሮቭ ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽልታታት ብፍላይ ኣብ ጸዓት ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዓት ክኽትም ትጽቢት ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ውን፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ዝሕበር ዘሎ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝርከብ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ምስ DP World ናይ ዱባይ ብምሽራሕ ንኽትውንኖ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታማ’ዩ።

DP World ናይ ዱባይ ን51% ናይ ወደብ በርበራ ኣገልግሎታት ክውንን እንከሎ፣ ኢትዮጵያ ድማ 19 % ከምዝዓደገቶ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እቲ 30 ሚእታዊት ናይቲ ወደብ ኣገልግሎት ንመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተሓዘአ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0