መ. ኤርትራ ሓገዝ ፒስ ኮርፕ ክቕበል ጀሚሩ

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ስለያን ሲኣይኤ ናይ ኣመሪካን ምትሕሓዝ ኣለዎ ብዝብል ጥርጣረ፣ ኣቛሪጽዎ ዝጸንሐ ብፒስ ኮርፕ ዝፍለጥ ናይ መንእሰያት ወለንተኛታት ሓገዝ ክቕበል ጀሚሩ።

    ፒስ ኮርፕ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝገብሮ መማህራንን ካልእ ሞያ ዘለዎም ወለንተኛታት መንእሰያት ናይ ምልኣኽ መስርሕ ሎሚ ዓመት ናብ ኤርትራን ሱዳንን ከስፍሖ’ዩ።

    እቲ ትካል ናብተን ኣብ መሬት ኣዝየን ኣጸገምቲ ዝኾና ሃገራት ኢሉ ዝገለጸን ኤርትራን ሱዳንን፣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት ኣስታት 100 ወለንተኛታት ከዋፍር ምዃኑ ዳይረክተር ፒስ ኮርፕ ኣሮን ዊልያምስ ኣፍሊጡ።

    መንግስቲ ኤርትራ፣ ብፒስ ኮርፕ ይኹን ካልእ ናይ ሓገዝ ትካላት ንዝመጹ ወለንተኛታትን ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታትን ብጥርጣረ ስለያን ሲኣይኤን፣ ጽኑዕ ምክትታል ከምዝገብረሎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ግና እቲ ናይ ፒስ ኮርፕ ተልእኾ ደው ኣቢልዮ ምጽንሑ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0